USA
Luwam Fiseha
ልዋም ፍስሃ
……… ንነብስኻ ኣትሒትካ እንተ ኣቕሪብካያ፡ እንተ ኣቋናጺብካያ ዓለምና ድማ መሊሳ ክትዶቑሰካ ምዃና ግዲ ኣይሃልኻ። ንስኻ ንነብስኻ ዘትሓትካያን ዘውደቕካያን ካልእ ሰብ ከዕብየካን ከኽብረካን ምጽባይ ዕሽነትን የዋህነትን እዩ። ስለ`ዚ ደጋዊ ትርኢትካ፡ ኣተሓሳስባኻ ኣዕብዮ፡ ኣልዕሎ። ንነብስኻ ብኸመይ ትሕዛ ኣብ ርእሰ ምትእምማንካ ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ ኣይትዘንግዕ።……
………ምትንኻፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ክብል እንከለኹ ግን ደረቱ ዝሓለወ፡ ምስ`ቲ ዕላል ዝኸይድ ምትንኻፍ ማለተይ ምዃኑ ክበርህ እደሊ። ንኣብነት፡ ናይ`ቲ ኣርእስቲ ዕላል ምድብ ምስ ዝኾነ ዘጨንቕ ነገራት እንተ ኾይኑ ናይ ደገፍን ናይ ምሕዝነትን ምትንኻፍ ኣርኢ። ከም`ዚ ዝበለ ካብ ልቢ ዝነቐለ ናይ ደገፍ ምትንኻፍ ዝለዓለ ዝምድና ንምፍጣር ሓጋዚ እዩ። ግን ፈጺሙ፡ ናብ ስምዒታት ዘእቱ ምትንኻፍ ክኸውን የብሉን።…..
……..ንካልኦት ምህብታም፡ ንስኻ ድኻ ኰንካ ከም እትበሊ ዝገብር ነገር እዩ። ጋሕጋሕ ንግሆ ተንሲእካ ክሳብ መሬት ዝጽልምት ሰሪሕካ ንካልኦት ከተሀብትም ትውዕል ከይትህሉ ነብስኻ ፈትሻ። ስራሕ ክትቁጸር እንከለኻ፡ ነቲ እቶም ሰብ ትካላት ተሊሞሞ ዘለዉ ቁጠባዊ ዋኒን ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ንኽትሕግዞም ኢሎም እዮም ዝጽውዑኻ ዘለዉ። ………
………. ዘሐጉሰካ ዘበለ ነገራት ኣለሊ፡ ሓሙሽተ ናይ ልብኻ እተካፍሎም መሓዙት ወይ ኣዕሩኽ ይሃልዉኻ፡ ሓቀኛታት ምንጪ ሓጎስ ክኾኑኻ ዝኽእሉ ነገራት ፍለጥ፡ ንኣካላትካን ኣእምሮኻን ብዝግባእ ተኸናኸን፡ ዘለካ ፍሉይ ክእለት ኣለልን ኣዕብዮን፡ ገንዘብካ ኣብ ንብረት ዘይኮነ ተመኩሮ ህይወት ኣብ ምቕሳም ኣጥፍኣዮ፡ ወትሩ ትዓቢ ከም ዘለኻ ኣረጋግጽ። እዚ መልእኽቲ፡ ንዓኻ ጥራይ ዘይኮነ ንዓኺ ውን ዘማእከለ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ……….